ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ወጻእተኛታት ስድርኦም ናብ ሽወደን ከምጽኡ እንተደልዮም 30% ወሰኽ ኣታዊ ክኸፍሉ ክግደዱ እዮም።
እቲ ሓድሽ ረቂቕ ሕጊ ካብ 1 ጥሪ 2027 ጀሚሩ ተግባራዊ እንተኾይኑ፡ ስድርኡ ናብ ሽወደን ከምጽእ ዝደሊ ሰብ እንተሃልዩ፡ እቲ ድሮ ኣብ ሽወደን ዝነበረ ኣባል ስድራቤት ድሕሪ ግብሪ 23,818 ክሮኖር ክኸፍል ክግደድ እዩ። እዚ ማለት እቲ መለክዒ ርእሰ-ምኽኣል ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ስርዓት ክነጻጸር እንከሎ ብ30% ክውስኽ እዩ።
እቲ ሓድሽ ረቂቕ ሕጊ ኣብ ግብሪ እንተወጺኡ፡ ንመጽናዕቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ ተማሃሮ፡ ንመጻምድቶም ወይ ውላዶም ናብ ሽወደን ንምጥርናፍ ስድራቤት ከምጽኡ ኣይክእሉን እዮም።
ብተወሳኺ ብዙሓት ካብ ሕብረት ኤውሮጳን ስካንዲናቭያን ወጻኢ ዝመጹ ስደተኛታት፡ ዋላ እቶም ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ተቐባልነት ዝረኸበ፡ ስድርኦም ናብ ሽወደን ከምጽኡ እንተደልዮም እንተወሓደ ንኽልተ ዓመት ኣብ ሽወደን ክነብሩ ክግደዱ እዮም። ብመሰረት እቲ ረቂቕ ካብ ስራሕ ዝረኽብዎ እቶት ከም ማሕበራዊ ድሕነት (A-kassa) ወይ ካልእ ካብ መንግስታዊ ትካላት ዝመጽእ ገንዘባዊ ደገፍ ከም እቶት ኣይቁጸርን።
እንተኾነ እቲ እማመ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ሓያል ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ኣሎ። ተቓወምቲ ውድባት ብሕጋዊ መንገዲ ስድራቤታት ንምጥርናፍ ዓቢ ዕንቅፋት ክፈጥር ከምዝኽእል ይገልጹ።
መንግስቲ ሽወደን ዘቕረቦ ሓድሽ እማመ ካብ 1 ጥሪ 2027 ኣብ ግብሪ ክውዕል መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ። እንተኾነ ግን እቲ እማመ ቅድሚ ሕጊ ምዃኑ ናብ ባይቶ ሽወደን ቀሪቡ ክጸድቕ ኣለዎ።
ምንጪ፡ ኣገልግሎት ዜና ቲቲ
መፍትሕ ቃላት፡ ምጥርናፍ ስድራቤት፤ ስደተኛታት፤ ሽወደን፤ ስደተኛ

