15 juli 2023
ፍልስፍና ንብሩህ ለውጢ ኣብ ሂወትካ/ኪ ።
ሰላም የሕዋት !!! ከምቓለይ መሰረት ፡ መዓልታዊ እስቶይካዊ ጹሑፋትን ፍልስፍናን ን ሂወት ወድሰብ ክጠቅም ይኽእል እዩ ዝበልክዎ ጹሑፋት ፡ ካብ ዝተፈላለየ መርበብሓበሬታትት ኣኪበ ንነብሰይን ነዓኻትኩም ክጠቕም ኣብዚ ናተይ መርበብ ሓበሬታ(ብሎግ) ክዝግሖ እየ። እዚ ድማ ንእስቶይሲዝም ብዝበለጸ ክትርድኦን ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ክትጥቀመሉን ይሕግዘካ። እቲ ቀዳማይ ክፋል እስቶይዝም ንምርዳእ ዝሕግዘካ እምበኣር እዚ ዝስዕብ ትንተና እዩ ። “ፈላስፋ ምዃን ማለት ረቂቕ ሓሳባት ምህላው ጥራይ ኣይኮነን፡ ቤት ትምህርቲ ምምስራት’ውን ኣይኮነን ፣ እንታይ ደኣ ገለ ካብ ጸገማት ህይወት ብክልሰ-ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነስ ብተግባር ውን ክትፈትሕ ምኽኣል ማለት እዩ ።” እዚ ኣዝዩ ኣካዳሚያዊ ወይ ንኽትርደኦ ዝኸብድ ኮይኑ ክስበዓካ ይኽእል እዩ ወይ ውን ካልእ ስክፍታታ እንተሃልዩካ፡ ኣይትጨነቕ ። ስቶይስዝም ነዚ ዝኸውን ምዕዶታት ኣለዎ። ኣብ ሂወት ፣ ናይ ምንባር ዕላማና እንታይ ምዃኑ ንጹር ክኸውን ይግባእ። ን ሂወትካ ብ ተስፋ ክትነብራን ትርጉም ዘለዋ ኽትኮነልካን ናይ ወትሩ ተስፋይን ትምኒተይን እዩ።